Our innovative Tigregna learning to read method teaches children through the use of phonics and iterative pattern recognition as opposed to the current system that teaches via memorization alone. Our approach also takes into account that children confuse visual similar letters, if thought one after another. With our method children read their first book after learning only 14 feedels/letter. This motivates them to keep learning the feedels as they see the use of it. These books come with a free electronic copy of a teacher’s/parent’s guide.
እዚ ብሓልዮት ሚዳቆ ኣሕታሚ ብፍሉይ ኣግባብ ዝተዳለወ ሜላ ኣመሃህራ ድምፅን (phonic) ቃላትን ብምድግጋም፤ ደቅና ንድምፅን ቅርፅን ፊደላት ትግርኛ ብስሉጥ ከለልዩን (iterative pattern recognition) ከንብቡን ዝሕግዞም እዩ፡፡ እዙ ሓድሽ ሜላ ኣመሃህራ ዝተግበረሉ ዓርሱ ዝኸኣለ መስርሕን ስልትን ዝኽተል ኮይኑ መስተምሀሪ መፅሓፍቲ፣ መምርሒ ንመምህራንን ሓምሳ (50) ተነባቢ መፅሓፍቲን (decodables) ዘካተተ እዩ፡፡
መጀመርታ እቶም ቈልዑ ነቶም ኣዶ ፊደላት(ግእዝ) ጥራሕ ከለልይዎም ይግበር፡፡ በዞም ኣዶ ፊደላት ጥራሕ ዝተፅሓፉ 10 መፅሓፍቲ ብምንባብ ብቐሊሉ ነቶም ፊደላት የለልይዎምን ቃላት የንብቡን፡፡
ብምስዓብ ፍሉይ ድምፅን ቅርፅን ፊደላት ካዕብ(ካልኣይ ፊደል) ይመሃሩ፡፡ ፊደላት ካዕብ እንትንበቡ ብላሕሳስ ‹‹ኡ›› ዘድምፅ ድምፂ ከምዘለዎም፤ ኣብ ቅርፆም ከኣ ዳርጋ ኩሎም ካብ ኣብ ጐድኖም ልቃብ ሕንፃፅ ከምዘለዎም ከስተውዕሉ የኽእሎም፡፡ ብፊደላት ግእዝን ካዕብን ጥራሕ ዝተዳለዉ ሓሙሽተ መፅሓፍቲ ንባብ ድማ ተዳልዮም ኣለዉ፡፡
ብተመሳሳሊ ኣግባብን ስልትን ነቶም ዝስዕቡ ሓሙሽተ ስድራ ፊደላት ይመሃሩዎም፡፡ እንተድምፁ ኣብ ሳልስ ‹‹ኢ››፣ ኣብ ራብዕ ‹‹ኣ››. ኣብ ሓምስ ‹‹ኤ››፣ ኣብ ሳድስ ‹‹እ››፣ ኣብ ሳብዕ ድማ ‹‹ኦ›› ዘድምፅ ድምፂ ከምዘለዉ ከስተውዕሉ ይሕግዞም፡፡
ነቶም ፍሉይ ድምፂ ዘለዎም ስድራ ፊደላት ጐ፣ኰ፣ቈን ድማ ኣብ መወዳእታ ይመሃርዎም፡፡
ወሎዲን መምህራንን ድማ በቶም መምርሒ ንመምህራን መፅሓፍን እናተሓገዙ ንደቆም የስተምህርዎም፡፡
በዚ ኣግባብ ምስ ዝመሃሩ እቶም ቈልዑ ካብ ሓሙሽተ ክሳዕ ሾመንተ ወርሒ ኣብ ዘሎ ግዘ ኣፀቢቖም ትግርኛ ምንባብ ይኽእሉን ይመልኩን፡፡
Reviews
There are no reviews yet.